እቶም ነቲ ኣገልግሎት ምስ ናይ መሐወሲ ፎርም ክጥቀሙ ዝደልዩ ወለዲ፡ ቅልል ብዝበለ ጌርኩም ነቲ ዝተመለአ ፎርም ብሓባር ምስ እቶም ኣድለይቲ ሰነዳት ጌርኩም ናብቲ ናቶም ናይ መሕረሲ ክሊኒክ ናይ ሃብምቡርግ ወይ ከኣ ድሕሪ ምውላዱ ናብ Hamburger Geburtsklinik (መሕረሲ ማእከል ሃምበርግ) ኣረክብዎ። ካልእ ኩሉ ነገር ከ በተን ዝተሳተፋ ትካላት ክዋደድ እዩ።
እቲ ሰለስተ ገጽ ናይ መሐወሲ ፎርም ከኣ ንምምልኡን ብወረቐት ንምውጽኡን ኣብ ኦንላይን ኣሎ - ን Downloads ርኣዩ።
ኮይኑግን ኣድላዪ እንተኾይኑ፡ ንስኹም ውን ካብ ናይ ሃምቡርግ ክሊኒክ ናይ ሕርሲ ወይ ካብ ማእከል መወለዳን ብወረቐት መልክዕ ክትወስድዎ ትኽእሉ ኢኹም።
በቲ ናይ መሐወሲ ፎርም ከኣ ነዚ ዝስዕብ ስክፍታታት ተኸታተልዎ ኢኹም፡
1. ምውሳን ስም ውላድኩም
2. ምእዛዝ ተወሳኺ ናይ ልደት መዝገባት/ሰርቲፊኬታት
3. ምምልካት ንናይ ቆልዓ ረብሓ
ውላድኩም ከአ ድሕሪ ኣብ ኖታዮ ምእታው ቀጥታ ኣብቲ ስርዓተ መዝገብ ክምዝገብ እዩ ከምኡከኣ እቲ ኣወሃህባ ናይ ግብሪ መንነት ወረቐት ከኣ ኣብ ናይ ፈደራል ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ግብሪ ክዋደድ እዩ።
ኣብቲ ናትኩም ናይ መሕረሲ ክሊኒክ ወይ ከኣ ኣብ Hamburger Geburtsklinik (ማእከል መሕረሲ ናይ ሃብምቡርግ) ከኣ ብወረቐት ዝወጸ ፖስታ ከኣ ክትቅበሉ ኢኹም። ነቲ ናይ መሐወሲ ፎርምን ነቲ ሰነዳትን ከኣ ኣብዚ ፖስታ ኣእትዉዎ።
ድሕሪ ልደት ናይ ውላድኩም፡ ነቲ ዝተመለአ ፖስታ ናይ መሕረሲ ክሊኒክ ወይ ከኣ ናብ ማእከል መሕረሲ ናይ ሃብምቡርግ ምለስዎ። ካብኡ ከኣ ኩሉ ነገር ናብቲ ዝምልከቶ ቤት ጽሕፈት ምዝገባ ክሓልፍ እዩ።
እቲ ቤት ጽሕፈት ምዝገባ ከኣ ነቲ ልደት ይምዝግቦን ከምኡ ከኣ ነቲ መመልከቲ ናይ ቆልዓ ረብሓ ናብ ቤት ጽሕፈት ረብሓታት ስድራቤት ይልእኮን። ድሕሪ ናይ ትሕቲ ዓሰርተ መዓልትታት ገምጋም፡ ንስኹም ከኣ ነቲ ዝተኣዘዘ መዝገብ ልደት ካብ ቤት ጽሕፈት ምዝገባ፡ ነቲ ናይ ግብሪ መንነት ናይ ውላድኩም ከኣ ካብ ቤት ጽሕፈት ግብሪ ናይ ማእከላይ ፈደራል ከምኡ ከኣ ነቲ ናይ ቆልዓ ናይ ረብሓ ሓበሬታ ከኣ ካብ ቤት ጽሕፈት ረብሓታት ስድራቤት ክትቅበልዎ ኢኹም።
እቲ ናይ ቆልዓ ረብሓ ከኣ ቀጥታ ናብቲ ዝተገልጸ ሕሳብ ክሰጋገር እዩ።
እቲ ሰነድ “መዘኻኸሪ ጽሑፍ ናይ ኣገልግሎት” ከኣ ን ወለዲ ኣብ ምምላእ ናይ መሐወሲ ፎርም ሓገዝ ይህብን ከምኡከኣ እንታይ ምክትታል የድሊ ዝርዝር ሓበሬታ ይህብን፡ downloads ርኣዩ።
ኣየናይ ሰነዳት እዩ ምስቲ መሐወሲ ፍርም ክኣቱው ዘለዎ ከኣ ኣብ “ናይ ሓበሬታ ወረቐት ናይ ቤት ጽሕፈታት መዝገብ ናይ ሃምቡርግ” ክርከብ ይክኣል እዩ፡ን downloads ወይ ከኣ ነቲ ወረቓቕቲ ኣብቲ ፖስታ ርኣይዎ።
ብኽብረትኩም ነቲ “ናይ ሓበሬታ ወረቐት” ናይ መሕረሲ ማእከል ብጥንቃቐ ኣንብብዎ፡ - downloads ርኣዩ።