ስድራቤት-ምሕዝነታዊ ምምሕዳር

ወለዲ፡ ኣብ ሃምቡርግ ነቲ "Kinderleicht zum Kindergeld" (ቀሊል መእተዊ ናብ ናይ ቆልዑ ረብሓታት) ውሰዱ

ኣገልግሎት "Kinderleicht zum Kindergeld" (ቀሊል መእተዊ ናብ ናይ ቆልዑ ረብሓታት) ንወለዲ ካብ ቢሮክራሲ/መሳልል ቤት ጽሕፈታት የቕስኖምን ከምኡከኣ ነቶም ምስ ልደት ናይ ውላድኩም ዝተኣሳሰሩ ኣድለይቲ ቅጥዕታት ከኣ የቃልልን። እዚ ኣገልግሎት ከኣ ናብ ሰብ መዚ ካብ ምኻድ የወግድን ከምኡከኣ ወለዲ ድማ ምስ ስድራቤቶም ዝያዳ ግዜ ይህልዎምን።

  • Finanzen und Bezirke
    • Sie lesen den Originaltext

እቶም ነቲ ኣገልግሎት ምስ ናይ መሐወሲ ፎርም ክጥቀሙ ዝደልዩ ወለዲ፡ ቅልል ብዝበለ ጌርኩም ነቲ ዝተመለአ ፎርም ብሓባር ምስ እቶም ኣድለይቲ ሰነዳት ጌርኩም ናብቲ ናቶም ናይ መሕረሲ ክሊኒክ ናይ ሃብምቡርግ ወይ ከኣ ድሕሪ ምውላዱ ናብ Hamburger Geburtsklinik (መሕረሲ ማእከል ሃምበርግ) ኣረክብዎ። ካልእ ኩሉ ነገር ከ በተን ዝተሳተፋ ትካላት ክዋደድ እዩ።

እቲ ሰለስተ ገጽ ናይ መሐወሲ ፎርም ከኣ ንምምልኡን ብወረቐት ንምውጽኡን ኣብ ኦንላይን ኣሎ - ን Downloads ርኣዩ።

ኮይኑግን ኣድላዪ እንተኾይኑ፡ ንስኹም ውን ካብ ናይ ሃምቡርግ ክሊኒክ ናይ ሕርሲ ወይ ካብ ማእከል መወለዳን ብወረቐት መልክዕ ክትወስድዎ ትኽእሉ ኢኹም።

በቲ ናይ መሐወሲ ፎርም ከኣ ነዚ ዝስዕብ ስክፍታታት ተኸታተልዎ ኢኹም፡

1.         ምውሳን ስም ውላድኩም

2.         ምእዛዝ ተወሳኺ ናይ ልደት መዝገባት/ሰርቲፊኬታት

3.         ምምልካት ንናይ ቆልዓ ረብሓ

ውላድኩም ከአ ድሕሪ ኣብ ኖታዮ ምእታው ቀጥታ ኣብቲ ስርዓተ መዝገብ ክምዝገብ እዩ ከምኡከኣ እቲ ኣወሃህባ ናይ ግብሪ መንነት ወረቐት ከኣ ኣብ ናይ ፈደራል ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ግብሪ ክዋደድ እዩ።

ኣብቲ ናትኩም ናይ መሕረሲ ክሊኒክ ወይ ከኣ ኣብ Hamburger Geburtsklinik (ማእከል መሕረሲ ናይ ሃብምቡርግ) ከኣ ብወረቐት ዝወጸ ፖስታ ከኣ ክትቅበሉ ኢኹም። ነቲ ናይ መሐወሲ ፎርምን ነቲ ሰነዳትን ከኣ ኣብዚ ፖስታ ኣእትዉዎ።

ድሕሪ ልደት ናይ ውላድኩም፡ ነቲ ዝተመለአ ፖስታ ናይ መሕረሲ ክሊኒክ ወይ ከኣ ናብ ማእከል መሕረሲ ናይ ሃብምቡርግ ምለስዎ። ካብኡ ከኣ ኩሉ ነገር ናብቲ ዝምልከቶ ቤት ጽሕፈት ምዝገባ ክሓልፍ እዩ።

እቲ ቤት ጽሕፈት ምዝገባ ከኣ ነቲ ልደት ይምዝግቦን ከምኡ ከኣ ነቲ መመልከቲ ናይ ቆልዓ ረብሓ ናብ ቤት ጽሕፈት ረብሓታት ስድራቤት ይልእኮን። ድሕሪ ናይ ትሕቲ ዓሰርተ መዓልትታት ገምጋም፡ ንስኹም ከኣ ነቲ ዝተኣዘዘ መዝገብ ልደት ካብ ቤት ጽሕፈት ምዝገባ፡ ነቲ ናይ ግብሪ መንነት ናይ ውላድኩም ከኣ ካብ ቤት ጽሕፈት ግብሪ ናይ ማእከላይ ፈደራል ከምኡ ከኣ ነቲ ናይ ቆልዓ ናይ ረብሓ ሓበሬታ ከኣ ካብ ቤት ጽሕፈት ረብሓታት ስድራቤት ክትቅበልዎ ኢኹም።

እቲ ናይ ቆልዓ ረብሓ ከኣ ቀጥታ ናብቲ ዝተገልጸ ሕሳብ ክሰጋገር እዩ።

እቲ ሰነድ “መዘኻኸሪ ጽሑፍ ናይ ኣገልግሎት” ከኣ ን ወለዲ ኣብ ምምላእ ናይ መሐወሲ ፎርም ሓገዝ ይህብን ከምኡከኣ እንታይ ምክትታል የድሊ ዝርዝር ሓበሬታ ይህብን፡ downloads ርኣዩ።

ኣየናይ ሰነዳት እዩ ምስቲ መሐወሲ ፍርም ክኣቱው ዘለዎ ከኣ ኣብ “ናይ ሓበሬታ ወረቐት ናይ ቤት ጽሕፈታት መዝገብ ናይ ሃምቡርግ” ክርከብ ይክኣል እዩ፡ን downloads ወይ ከኣ ነቲ ወረቓቕቲ ኣብቲ ፖስታ ርኣይዎ።

ብኽብረትኩም ነቲ “ናይ ሓበሬታ ወረቐት” ናይ መሕረሲ ማእከል ብጥንቃቐ ኣንብብዎ፡ - downloads ርኣዩ። 

Download

"Kinderleicht zum Kindergeld" Kombiformular

PDF herunterladen [PDF, 375,6 KB]

Information on the Service for Parents (ትግርኛ)

PDF herunterladen [PDF, 909,2 KB]

Information sheet by the Hamburg Registry Offices (ትግርኛ)

PDF herunterladen [PDF, 134,4 KB]

Information sheets of the Hamburg birth facilities (ትግርኛ)

PDF herunterladen [PDF, 562,8 KB]

Zum Weiterlesen

Trámites administrativos fáciles para las familias

En Hamburgo, los padres tienen a su disposición el servicio «Kinderleicht zum Kindergeld» para acceder de forma fácil al subsidio familiar por hijo(s)

Los padres y madres que deseen utilizar el servicio con el formulario combinado solo tienen que entregar el formulario cumplimentado junto con los documentos requeridos en su hospital materno de Hamburgo o en el centro de partos Geburtshaus Hamburg. De todo lo demás se encargarán la...

Упрощение процедуры получения административных услуг в интересах семьи

Услуга «Простое и легкое оформление пособия на ребенка» (Kinderleicht zum Kindergeld) для родителей, проживающих в Гамбурге

Родители, желающие воспользоваться Услугой с комбинированной формой заявления, должны просто отдать заполненный формуляр заявления (Kombiformular) вместе с необходимыми документами в родильном отделении своей клиники или в родильном доме Geburtshaus Hamburg. Обо всем остальном позаботятся...

Aile Dostu Yönetim

Hamburg'ta ebeveynler için "Kinderleicht zum Kindergeld" (Çocuk para yardımı, çocuk oyuncağı)

Hizmetten kombine form ile yararlanmak isteyen ebeveynlerin, doğum sonrasında doldurulmuş formu gerekli evraklarla birlikte Hamburg Doğum Kliniği'ne veya Hamburg Doğumevi'ne vermeleri yeterli. Tüm diğer işlemleri katılımcı kurumlar hallediyor. Üç sayfalık kombine form doldurulmak ve...